Réserver un·e interprète

ትግርኛ

እዚ ገጽ እዚ ነቶም ብዙሕ ሃረጋዊ ቋንቋታት ስዊትዘርላንድ ዘይዛረቡ ወይ ብዙሕ ዘይዛረቡ ሰባት ዝተዳለወ እዩ። ብዛዕባ ምትርጓምን ብዛዕባ ኣገልግሎት Se Comprendre ካሪታስ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡውን ናይ መራኸቢ ፎርም ብቛንቋኹም ብቐጥታ ግብረ መልሲ/ሕቶታት ክትልእኩልና የኽእለኩም።

illustration
illustrations

ናይ ርክብ ፎርም

ንሕቶታትኩም ንምምላስ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ንምሃብ ወይ ከኣ ብቐሊሉ እቲ ኰነታት ከምቲ እተጸበኹሙዎ እንተዘይኰነ፣ ካልእ ኣኼባ ንምግባር ቁሩባት ኢና።

መልእኽትኹም በቲ Se Comprendre ዚብሃል ኣገልግሎት ብጥንቃቐ እዩ ዚመሓላለፍ፦ ስምኩም/ኵነታትኩም ብዘይ ርጉጽነት ፍቓድኩም ንሳልሳይ ኣካል (ንኣብነት ብተርጓማይ) ኣይመሓላለፍን እዩ። ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልታት መልሲ ክትረኽቡ ኢኹም።

ግደ ተርጓሚ

እቲ ተርጓሚ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ሰብ ሞያን ዘሎ ርክባት ንምትርጓም ኣብቲ ቦታ ኣሎ። ተርጐምቲ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትርድእዎ ዚሕግዝ እንተ ዀይኑ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተላይ ባህላዊ ጠቀስ መግለጺ ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ተርጐምቲ ከምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ግዴታ ኣለዎም፦

  1. ናይ ሞያ ምስጢር ምዕቃብ
    ተርጐምቲ ካብቲ ምስ በዓል ሞያ እተመደበ ኣኼባታት ንደገ ኣውጺእካ ምዝራብ መሰል የብሎምን።

  2. ግልጽነት
    ተርጐምቲ ምስቶም ዝትርጉሙሎም ሰባት ናይ ስድራ ቤት ርክብ ወይ ምሕዝነት ዘለዎም ምትእስሳር ክሕብሩ ኣሎዎም።

  3. ንዅሉ ነገር ናይ ምትርጓም ግዴታ
    ተርጐምቲ ንዅሉ እቲ ኣብቲ ክፍሊ ዚዝረብ ነገራት እንተላይ ነቲ ክትርጐም ዘይትደሊዎ ነገራት ኪትርጕምዎ ኣሎዎም።

  4. ኣድልዎ ዘይምህላው
    ተርጐምቲ ንኹሉ ማዕረ እዮም፣ ኣብቲ ምይይጥ ዝወስድዎ ወገንነት የብሎምን። ነቶም ተጠቀምቲ ክመኽሩ ወይ መመርሒ ክህቡ ወዘተ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ተርጐምቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስነ-ምግባር ጽሙዳት እዮም

መሰላት ተጠቃሚ

ኣብ እዋን ኣኼባ እቲ/እታ ተጠቃሚ/ት ከምዚ ዚስዕብ ክገብር/ክትገብር መሰል ኣለዎ/ዋ፦

  • እስከ ኣረድኡኒ / ድገሙለይ ምባል
  • ቅኑዕ ሓበሬታ ክህልወካ ምግባርን በቲ ሰብ ሞያ ዝተባህለ መረዳእታ ምርካብን።
ዕላማታት ናይ ትርጓመ ማሕበረሰብ
  • ስደተኛታት ብዘይ ኣድልዎ፣ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ጥቕምታትን ከምኡ’ውን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ከም ዝረኽቡ ምርግጋጽ።
  • ውሕስነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ፣ ምርደዳእ ፍልልያት ከም (ባህላዊ፣ ማሕበረ-ቍጠባዊ፣ ሕብረተ-ሰብኣዊ፣ ቋንቋ፣ እምነታት፣ ወዘተ) ይፈቅድ።
  • ሓባራዊ ምርድዳእ ኩነታት ምፍጣር።
ባይታዊ ኵነታት
  • ንጽቡቕ ምርዳዳእ፣ እቲ ክኢላ ወይ ኣወሃሃዲ ቅድሚ ዝርርብን ብድሕሪኡን ምስ ተርጓሚ ሕጽር ዝበለ ምይይጥ ይገብር።
  • እቲ ክኢላ ንርግጸኛ ዘይኰነ ነገራት እንዳኣነጸረ፣ ነቲ ቃለ-መጠይቕ ይመርሕ።
  • እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ሰለስተ ጠርዚ እዮም ዘዕልሉ: በዓልሞያ-ተጠቃማይ-ተርጓማይ።
  • እቲ በዓል ሞያ፣ ኣድላዪ ናይ መዋቕር ኵነታት የረጋግጽ (ሰዓታት፣ ቦታ፣ ነውሰከፍ ተሳታፋይ ኮፍ ዝብለሉ ቦታ፣ ዓይኒ ንዓይኒ እንዳተራኣኣኻ ተዕልለሉ ኩነታት፣ ወዘተ)
  • ተዛረብቲ ዕላሎም ብሓጺርን ብንጹርን ብቐሊልን ኢዩ ዝኸውን።
  • ተዛረብቲ እቲ ዝርርቦም ብቐሊሉ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ምእንቲ ክኸውን፣ ተኸታታሊ ምትርጓም ይሰርዑ።

እዞም ሕግታት እዚኣቶም፣ እቲ ምይይጥ ብጽቡቕ ኵነታት ይካየድ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ይሕግዙ።

ቀዋሚ ክፍቲ ሰዓታት

ቤት ጽሕፈትና ቀማዊ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ኣሎዎ።

ዕላማ፦ ተጠቀምቲ ብገዛእ ፍቓዶም ብሽማግለ ኣቢሎም ሓበሬታ ወይ ምኽሪ ክረኽቡ፣ ናብ ዝምልከቶም ቦታ ክምርሑ፣ ኣብ ምምሕዳራዊ ዕዮ ሓገዛት ኪረኽቡ ወይ ብቐሊሉ ዕቱብ ሰማዒ እዝኒ ኪረኽቡ።

ግብራዊ ሓበሬታ

ናይ ስራሕ ሰዓታትን ቋንቋታትን

- ሰኑይ ካብ ሰዓት 09:00 ክሳብ 12:00
ዓረብኛኩርዲሽ (ባዲኒን ኩርማንጂን)፣ እንግሊዝኛን ቱርክኛን ብቝጽሪ 079 567 89 71

- ሰኑይ ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ 17:00
ኣምሓርኛን ትግኛን ብቑጽሪ 079 136 78 26

ቦታ: Boulevard de Pérolles 55, 1700 Fribourg

*እዚ ኣገልግሎት እዚ ንተጠቀምቲ ካሪታስ ስዊዘርላንድ እተሓጽረ ኢዩ